SKU 979-889412209-0 Category

ብርሃን ኣብ ጸልማት (Berhan Ab Tselmat)

ገዲም ጋዜጠኛ ብርሃነ ገብረትሳኤ፡ ነቲ ብንኡስ ዕደመኡ ዝተሳተፎ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝድህስስ ትሕዝቶ ዘለዋ መጽሓፍ እያ። እዛ 10 ምዕራፋት እተጠቓልል መጽሓፍ፡ ደራሲ፡ ቅድሚን ድሕሪን ገድሊ ዘጋጠሙዎ ፍጻመታት’ውን ኣስፊራ ትርክብ።

360,00 kr

Availability: In stock

Description

ብርሃን ኣብ ጸልማት

ብብርሃነ ገብረትንሳኤ

ቍ. ገጽ 363

ገዲም ጋዜጠኛ ብርሃነ ገብረትሳኤ፡ ነቲ ብንኡስ ዕደመኡ ዝተሳተፎ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝድህስስ ትሕዝቶ ዘለዋ መጽሓፍ እያ። እዛ 10 ምዕራፋት እተጠቓልል መጽሓፍ፡ ደራሲ፡ ቅድሚን ድሕሪን ገድሊ ዘጋጠሙዎ ፍጻመታት’ውን ኣስፊራ ትርክብ። ነዛ መጽሓፍ ዘርተዐ ኣኸደር ኣሕመዲን፡ ኣብ ዳሕረዋይ ክፋል ገበር መጽሓፍ ከም’ዚ ክብል ርእይቶኡ ኣስፊሩ ይርከብ፤

“…ሰባት መሰሎምን ክብርቶምን ንምምላስ ኣብ ዝጥርነፉሉ እዋን፡ ዝህልዎም ጽኑዕ ሓድነትን ዘይትሸራርፈ ሃገራዊ መንፈስን ነቲ ቓልሲ መስረቱ ምዃኑ ክግንዘቡ ይግባእ። ምጭዋይ ቃልሲ ንሓርነት፡ ግዝያዊ ምዕንቃፍ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ሃልሃልታ ባህጊ ሓርነትን ፍትሒን ድቂ ሰባት ግን ፍጹም ከጥፍእ ኣይክእልን። ኣድላይነት ቀጻሊ ቃልሲ ናጽነት ግን ኵሉ ዓይነት ዕንቅፋታቱ – ካብቶም ተቓልስቲ ናጽነትን ለውጥን ኢና ዝብሉ’ውን ከይትረፈ ዝብገስ ብዘየገድስ፡ ነባሪ ብዝዀነ ክብሩ ክረጋገጽ ምዃኑ ግን ምዝካር የድሊ። እቲ ብውሑዳት ተመንዚዑ ዝጸልመተ ዋጋ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር፡ ንመዋእል ብዘይጋረድ ድሙቕ ብርሃን ክሰዓር ምዃኑ ዘይተርፍ እዩ። መጽሓፍ ‘ብርሃን ኣብ ጸልማት’ ድማ፡ ንቐጥታዊ ተመኵሮ ድራሲ ማእከል ገይራ ነዚ ሓቂ’ዚ እያ እተዘንቱ።”

Related Product

Scroll to Top