መጽሓፍ ዕዮ ትግርኛ ክልተ (Metsihaf Eyo Tigrinya Kilte)

መም. ዮሴፍ ወረቀ ኣስራት፡ ናይ ልዕሊ 20 ዓመታት ናይ ምምህርና ተመኵሮኡ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ምምሃር ቋንቋ ትግርኛ፡ በዚኣ ስራሕ’ዚኣ የካፍለና ኣሎ። እቲ ብሓፈሻ ቈልዑ፡ ብፍላይ ድማ እቶም ካብ ቋንቋ ትግርኛ ዝዛረብ ሕብረተ-ሰብ ተፈልዮም ዝዓብዮ፡ ዝገጥሞም ብድሆታት ኣብ ምንባብን ምጽሓፍን ቋንቋ ትግርኛ፡ ብኣጋኡ ዘላለየ መም. ዮሴፍ፡ ናይ ባዕሉ ኣገባባት ኣመሃህራ ምንባብን ምጽሓፍን እቲ ቋንቋ ኣማዕቢሉ ዘዳለዋ ስራሕ እያ።

270,00 kr

Description

መጽሓፍ ዕዮ ትግርኛ ክልተ፤ ንባብን መላመድታትን

ብዮሴፍ ወርቀ ኣስራት

ቍ. ገጽ 124

መም. ዮሴፍ ወረቀ ኣስራት፡ ናይ ልዕሊ 20 ዓመታት ናይ ምምህርና ተመኵሮኡ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ምምሃር ቋንቋ ትግርኛ፡ በዚኣ ስራሕ’ዚኣ የካፍለና ኣሎ። እቲ ብሓፈሻ ቈልዑ፡ ብፍላይ ድማ እቶም ካብ ቋንቋ ትግርኛ ዝዛረብ ሕብረተ-ሰብ ተፈልዮም ዝዓብዮ፡ ዝገጥሞም ብድሆታት ኣብ ምንባብን ምጽሓፍን ቋንቋ ትግርኛ፡ ብኣጋኡ ዘላለየ መም. ዮሴፍ፡ ናይ ባዕሉ ኣገባባት ኣመሃህራ ምንባብን ምጽሓፍን እቲ ቋንቋ ኣማዕቢሉ ዘዳለዋ ስራሕ እያ።

“መጽሓፍ ዕዮ ትግርኛ ክልተ”፡ ውጽኢት ውህደት ተመኵሮን ዕድላትን ክትብሃል ትኽእል እያ። ናይ ካልኦት ሕብረተ-ሰባት ተመኵሮታት ምስ ናይ ሃገርና ብዝሳነ ኣገባብ፡ ዝጭበጥ ፍረ ንምርካብ ብዝሕግዝ ኣገባብ ተዳልያ ኣላ።

ተምሃሮ፡ ከከም ደረጃኦም፡ ምንባብ፡ ምጽሓፍን ምዝንታውን እናተማህሩ፡ ፍልጠቶምን ቋንቋኦምን ዘዕብዩሎም ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪባ ኣላ።

“መጽሓፍ ዕዮ ትግርኛ ክልተ”፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝርከቡ ተምሃሮ፡ ምስ’ቲ ዝነብሩሉ ሕብረተ-ሰብ ተሳንያ ብቛንቋኦም ምድላዋ፡ ክልተ መኽሰብ እዩ።

እቲ፡ ናይ ሃገርና መምሃሪ መጻሕፍቲ ከማዕብል ዝኽእል፡ ናይ ካልኦት ሃገራት ተመኵሮታት ዘጠቓለሉ ትሕዝቶታት፡ ካብ መባእታዊ ታሪኽን ጂኦግራፍን ኤርትራ፡ ክሳብ ናይ ካልኦት ሃገራት ኣጠቓሊሉ ይርከብ።

ዛንታታት ብውጽኢት ጻዕሮም ዝልለዩ ዓበዪቲን ንኣሽቱን፡ ኤርትራውያን ኰኑ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ዝዀኑ ዕዉታት ውልቀ-ሰባት ብኣብነት ብምቕራብ፡ እሩም ስነ-ምግባርን ክብርታትን ንምምዕባል ብዝሕግዝ ኣገባብ ኣብ’ዛ መጽሓፍ  ቀሪቦም ኣለዉ።

ኣብ’ቲ ብመሳርዕ ገበታ ፊደላት ጀሚሩ፡ ከም ስርዓተ-ነጥቢ፡ መባእታ ሰዋስው (ስም፡ ክንድ ስም፡ መስተዋድድ፡ መስተጻምር፡ ቅጽል፡ ብዓል ቤት፡ ግሲን ሰዓብቱን) ዝርከቡዎም ትሕዝቶታት፡ ብሰሌዳታት፡ ስእልታትን እተመሳቐለ ቃላትን ዝተሰነየ፡ ብዙሕ መለሳ መላመዲታት ኣጣሚሮም ኣለዉ።

እዚ፡ ካብ ተምሃሮ ሓሊፉ፡ ወለዲን ዓበዪቲን’ውን ንኽመሃሩሉ ዝጠቅም ኰይኑ፡ ተምሃሮ፡ ጐድኒ-ጐድኒ ኣካዳሚያዊ ትምህርቶም፡ ናይ ምምርማርን ሓፈሻዊ ፍልጠት ዓቕሞምን ንኸዕብዩ ዝሕግዝ እዩ።

Related Product

Scroll to Top